Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

intercessory prayer


1ይ ጢሞቴዎስ 2:1 | 14 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበርቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:19-20 | 9 Helpful votes

ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 8:26 | 9 Helpful votes

መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣናኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና

Translation | Context
ያእቆብ 5:13-16 | 7 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር። ኣብ ምኣእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄርዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ። እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:18 | 6 Helpful votes

ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ

Translation | Context
ዮሃንስ 15:7 | 4 Helpful votes

ኣባይ እንተ ጸናዕኩምቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም

Translation | Context
ኤፌሶን 6:10-18 | 3 Helpful votes

ብዝተረፈስኣሕዋተይብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውንማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ

Translation | Context
ዮሃንስ 16:23-24 | 3 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ሓንቲ እኳ ኣይክትሐቱንን ኢኹም። ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኸም ዝህበኩምብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎንሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም።

Translation | Context
ማቴዎስ 21:22 | 3 Helpful votes

የሱስ መሊሱ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛኦም በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕትብልዎ እሞ ከም ኪኸውንኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዅሉ ኸምእትረኽቡብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 59:16 | 2 Helpful votes

ደጊም ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ረአየ፡ ሓደ እኳ ዜማልድ ስለ እተሳእነ ተገረመ። ሽዑ ቕልጽሙ ረድኦጽድቁውን ደገፎ

Translation | Context
ፊልሞን 1:1-25 | 2 Helpful votes

ጳውሎስ እሱር ክርስቶስ የሱስጢሞቴዎስውን ሓውና፡ ናብቲ ፍቁርን መዓይይትናን ፊልሞን፡ ናብ ኣጵያ ሓብትናውን ናብቲ ምሳና ዀይኑ ዚዋጋእ ኣርኪጶስ ከኣ፡ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ማሕበርውን። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። ኣታ ሓወየልቢ እቶም ቅዱሳት ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስ ንዅሎም ቅዱሳትን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዅሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ። ስለዚ እቲ ግቡእ ክእዝዘካ ብክርስቶስ የሱስ ብዙሕ ትብዓት ዘሎኒ ኽነሰይሲከምዛ ዘሎኽዋ ኣነ ጳውሎስኣረጊትሕጂውን ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱርምእንቲ ፍቕሪ ኢለ እልምነካ አሎኹ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መቕውሔይ ኰይነ ዝወለድክዎ ወደይ ኦኔስሞስ እልምነካ አሎኹ። ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካንሕጂ ግና ንኣኻን ንኣይን ይጠቕመና እዩ እሞ፡ ናባኻ መሊሰዮ አሎኹ። ከም ልበይ ጌርካ ተቐበሎ። ኣነስ እኳ፡ ኣብዚ መቐውሔይ ስለ ወንጌል ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግለኒ፡ ንርእሰይ ከትርፎ ምደሌኹ ነይረ። ግናኸ እቲ ሰናይ ግብርኻ ብፍታው እምበር፡ ከም ብግዲ ምእንቲ ኸይከውንብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይፈቶኹን። እቲ ንሱ ንሽዑ እተፈልየካ ምናልባሽ ንሓዋሩ ምእንቲ ኽትረኽቦ እዩ ዚኸውን። ደጊምሲ ኻብ ባርያ ዝበለጸምናዳ ንኣይክንደይ ግዳ ኣብዚሑ ንኣኻ፡ ብስጋን ብጐይታን ከም ፍቁር ሓው ክትረኽቦ እምበር፡ ከም ባርያ ኣይኰነን። እምብኣርሲ ኸም ሓው እትርእየኒ እንተ ዄንካስ፡ ከም ነፍሰይ ጌርካ ተቐበሎ። ግናኸ ገለ በዲሉካ ወይስ ተዓድዩካ እንተ ዀይኑኣባይ ቍጸሮ። ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ ጸሐፍክዎርእስኻ እኳ ብዓል ዕዳይ ኢኻ ከይብለካ፡ ኣነ እፈድዮእወ፡ ኣታ ሓወየ፡ ኣነ ኻባኻ ብጐይታ እጠቐምብክርስቶስ ንልበይ ኣቕስነለይሓለፋ እዚ ዝብለካ ዘሎኹ ኸም እትገብር ፈሊጠ፡ ከም እትሰምዓኒውን ኣሚነ እየ እዚ ዝጸሐፍኩልካምስናይ እዚውን ብጸሎትኩም ኣነ ኽውሃበኩም ተስፋ እገብር አሎኹ እሞ፡ ስፍራ ሐዘለይኤጳፍራስብክርስቶስ የሱስ መተኣስርተይ፡ ከምእውን እቶም መዓይይተይማርቆስኣርስጠርኮስዴማስሉቃስ ሰላም ይብሉኻ አለዉ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን

Translation | Context
ኢሳይያስ 62:6 | 2 Helpful votes

የሩሳሌም፡ ኣብ ልዕሊ ቐጽርኺ ሓለውቲ ኣቚመ አሎኹ፡ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይኪብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ፡ ኣይትዕረፉ

Translation | Context
ዮሃንስ 17:1-26 | 2 Helpful votes

የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ፡ በለ፥ ዎ ኣቦ፡ ሕጂ እታ ጊዜ በጺሓ፡ ነዞም ዝሀብካዮ ዅላቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህቦምሲንወድኻ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ ሂብካዮ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ምእንቲ ኬኽብረካስንወድኻ ኣኽብሮኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻዎ ኣቦይሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ። ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎምናትካ ነበሩ፡ ንኣይ ሀብካኒቃልካውን ሐለዉእቲ ዝሀብካኒ ዘበለ ዅሉ ካባኻ ምዃኑ ሕጂ ፈለጡእቲ ዝሀብካኒ ቓል ሀብክዎምንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ኻባኻ ኸም ዝወጻእኩ ድማ ብሓቂ ፈለጡንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን አመኑኣነ ምእንትኦም እልምን አሎኹ። ናትካ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሀብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ። ኵሉ ናተይ ናትካ እዩ፡ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፡ ኣነውን ኣባታቶም ከበርኩደጊምሲ ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ፡ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም አለዉ፡ ኣነውን ናባኻ እመጽእ አሎኹ። ቅዱስ ኣቦይነዞም ዝሀብካኒከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑብስምካ ሐልዎምኣነ ምሳታቶም ኣብ ዓለም ከሎኹብስምካ ሐሎኽዎምነዞም ዝሀብካኒ ተኸናኸንክዎም። እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ብዘይ እቲ ሓደ ወዲ ጥፍኣት ካባታቶም ዝጠፍኤ የልቦንሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ አሎኹ፡ ሓጐሰይ ኣባታቶም ምእንቲ ኺፍጸም ድማ እዚ ኣብ ዓለም እዛረብ አሎኹ። ኣነ ቓልካ ሀብክዎምከምቲ ኣነ ካብ ዓለም ዘይኰንኩንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ፡ ዓለም ጸልኣቶምካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑንበቲ ሓቂ ቐድሶምቃልካ ሓቂ እዩከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለእኽካኒከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም። ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱስ፡ ኣነ ርእሰይ ስሊኦም እቕድስ አሎኹ። ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚአምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ዓለምንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ። ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲንሕና ሓደ ኸም ዝዀንናኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም። ዎ ኣቦይቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ዝሀብካኒ ነቲ ዝሀብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደሊ አሎኹ። ጻድቕ ኣቦይዓለም ኣይፈለጠትካን፡ ኣነ ግና ፈሊጠካ አሎኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣክካኒ ፈሊጦም አለዉ። እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ።

Translation | Context
ይሁዳ 1:20 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩምብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም

Translation | Context
ማቴዎስ 7:11 | 2 Helpful votes

እምበኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹምንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጹቡቅ ዘይህቦም

Translation | Context
እብራውያን 11:6 | 2 Helpful votes

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።

Translation | Context